Tigrinja

ክሊኒክ መንእሰያት

ክሊኒክ መንእሰያት ቫለንቱና ነቶም ካብ 12 ዓመት ክሳብ 23 ዓመት ዕድመ እትበጽሑ መንእሰያት ዚሰርሕ'ዩ። ንግቡእ ሰክረተስ (ስትረት) ነኽብር: ኣባና ዚግበር ምብጻሕ ከኣ ካብ ክፍሊት ናጻ'ዩ።

ኣብ ክሊኒክ መንእሰያት:

  • ብዛዕባ ዝምድናታት: ብዛዕባ ርእሰ-ክብሪ: ብዛዕባ ቅዛነት: ብዛዕባ ጭንቀት: ብዛዕባ ጸቕጢ: ብዛዕባ ርእስኻ ምጕዳእ: ብዛዕባ ጸገማት ክብሪ: ብዛዕባ ዓመጽ ወይ ብዛዕባ ጥዕና ምስኣን ምዝራብ
  • ኣብ ጸገማት ሕማማት ወሲብ ሓገዝ ምርካብ
  • ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ ምዝታይን ሓገዝ ምርካብን
  • ንኣካል: ንጥንሲ: ንሕማማት ወሲብ ብዝምልከት ምሕታት: ኣባና'አን ክትምርመሩ ቅምሶ (ፕሩቭ) ክትህቡ ትኽእሉ።
  • ኮንዶምን ህጹጽ ከኒና መከላኸሊ ጥንስን ንምምጻእ

እዞም ኣብዚ ንሰርሕ: መሕረስቲ: ተሓጋገዝቲ (ኩራቶረር): ስነ-ኣእምሮኛ: ሓኪም ደቀንስትዮን ሓኪም ደቂ-ተባዕትዮን ኢና።

ድሮፕ-ኢን (ብዘይ ቈጸራ ዚግበር ምብጻሕ)

ብዘይ ቈጸራ ኣብ ዚግበር ምብጻሕ (ድሮፕ-ኢን) ሰዓት 14-18 ሕማማት ወሲብ ከይህልወኩም ክትምርመሩ: ምርመራ ጥንሲ ንምርማር: ቅድሚ ሕጂ ኣባና መጺእኩም ትፈልጡ እንተ ኔርኩም እሞ ዓይነት ከኒና ክትቅይሩ እንተ ዘይደሊኹም: ሓድሽ ወረቐት መውጽኢ ከኒናታት መከላኸሊ ጥንሲ ንምውሳድ
ንዝተረፉ ጕዳያት/ሕቶታት ቈጸራ ሓዙ።

ቈጸራ ምሓዝ

ብስልኪ ቈጸራ ክትሕዙ እንተ ደሊኹም ብቝጽሪ ስልኪ 073-558 11 00 ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኻም። ክንምልሽ እንተ ዘይኪኢልና ስምኩምን ቍጽሪ ስልኩኹምን ግደፉልና'ሞ ክንድውለልኩም ኢና።

ስምኩምን ቍጽሪ ስልክኹምን ጽሒፍኩም ብኤስኤምኤስ (SMS) ምስዳድ'ውን ትኽእሉ ኢኹም።

መሕረስቲ: ተሓጋገዝቲ (ኩራቶር) ከምኡ'ውን ሓካይም ስነ-ኣእምሮ: ንምርካብ ብኢንተርነት Mina vårdkontakter. ብቐጥታ ቈጸራ ምሓዝ ይከኣል'ዩ።

ክፉታት ሰዓታት ስራሕ

ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ብቈጸራ ዚግበሩ ምብጻሓት።
ክፉት ሰዓት ምሸት ረቡዕ ሰዓት 20.00 ብቈጸራ ዚግበሩ ምብጻሓት።
ብዘይ ቈጸራ (ድሮፕ-ኢን):- ረቡዕ ሰዓት 14.00-18.00.

ሓኪም ሕማማት ወሲብ/ሓኪም ደቂ ተባዕትዮ

ሕቶታት እንተሎኩም ወይ ኣብ ብልዕትኹም ወይ ኣብ ፍረ-ነብስኹም ጸገም እንተሎኩም ኪሕግዘኩም ይኽእል። ሓኪም ሕማማት ወሲብ ዚበዝሕ እዋን: ሓደ ረቡዕ እንዳጸቐጠ ናብ ክሊኒክ መንእሰያት ይመጽእ። ሰዓት 16–18. ሓኪም ከም ትረኽብዎ ንምርግጋጽ ቈጸራ እንተሓዝኩም ይሓይሽ።

ምስክርነት-ሆቤተ (HBT-certifiering)

ክሊኒክ መንእሰያት ኣብ ቫለንቱና ምስክርነት-ሆቤተ (HBT-certifierad) ዘሎዎ ንጥፈት'ዩ። እዚ ማለት ከኣ: ኣብ መሰላት ሆሞሰክሽዋላት: ባይሰክሽዋላትን ስግረ-ሰባትን (transpersoner) ዚምልከቱ ጕዳያት: ንኣኽብሮት ዘሎዎ ኣቀባብላን ንሰራሕተኛታት ከኣ ጽቡቕ ናይ ስራሕ ሃዋህው ኣብ ምፍጣር ከም ዕላማ ብምሓዝ: ብስትራተጂካዊ ኣገባብ ይሰርሕ ማለት'ዩ። ብዛዕባ ምስክርነት-ሆቤተ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ: ኣብ ኣብ መርበብ ኢንተርነት ኣር.ኤፍ.ኤስ.ኤል (RFSL) ተመልከቱ።

ነቶም ልዕሊ 23 ዓመት ዝዕድመኹም

ንመከላኸሊ ጥንሲ ዚምልከት ምኽሪ: ምርመራ ሕማማት ወሲብ ከምኡ'ውን ንሕቶታት ወሲብ ዚምልከቱ ምኽርታት ንምርካብ ናብ ዘተኣማምን ወሲብ ምጹ።

ተወሳኺ ሓበሬታ

መካነ-መርበብ 1177 ቮርድጋይደን

Någonting gick fel

Ditt meddelande har nu skickats